
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
SBS
Radio: SBS Chill
Kategorien: Nachrichten und Politik
Hören Sie sich die letzte Folge an:
ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብና ምሳና ከተምስዩ ብኽብሪ እናዓደምኩ ድሕሪ ዜና ዝህልዉና መደባት ከፋልጠኩም፡
ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፣
** ክልተ ሰልፍታት ፖለቲካ ትግራይ: ገዝሚ ሰማእታት ትኸውን ሉኣላዊት ሃገር ክትፍጠር ሓቲቶም።
** መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ: ኣብ 130 ዓመታት፤ በቢ 30 ዓመቱ -ዝተኸስተ ዑደት ኩናት፣ ንሓዋሩን ከብቅዕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
** ኤርትራ ዘይተረኽበትሉ ኣኼባ ቻይና ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ 'ሰላምን ፀጥታን' ንምውሓስ ዝርርብ ከም ዝተኻየደሉ ተሓቢሩ።
ብምኽንያት እቲ በብዓመቱ ኣብ 20 ሰነ ዝዝከር መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ተጋድሎ ሃርነት ኤርትራ ዝነበሩ'ሞ ዝተሰውኡ ኣብ ምስናድ ዝነጥፍ ተጋዳላይ መስፊን መንግስቱ ዝተገብረ ካልኣይ ክፋል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩ።
መስርሕ ስርዓተ ቐብሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ።
ኣርእስታት ዜና
** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተቐርቂሮም ዘለዉ ዜጋታቱ ብህጹጽ ናብ ዓዶም ኽወስዶም ጸዊዑ ።
** ኣፍጋኒስታን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘይተራእየ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፡ ብውሕዱ 1,000 ሰባት ተቐቲሎም ፡ 1,500 ድማ ቈሲሎም ።
** ንቻይና ስዒባ፡ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ፍሉይ ልኡኽ ሸይማ።
Vorherige Folgen
-
3696 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (23 ሰነ 2022) Thu, 23 Jun 2022
-
3695 - "ገዝሚ ሰማእታት ትኸውን ሉኣላዊት ሃገር ትግራይ ክትፍጠር ኣለዋ።" ክልተ ሰልፍታት ፖለቲካ ትግራይ Thu, 23 Jun 2022
-
3694 - ሓድሽ ግምባር ኲናት ራሻ ኣብ ሊትወይንያ፡ ዩክሬን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ትኸውን Thu, 23 Jun 2022
-
3693 - መስርሕ ስርዓተ ቐብሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) Wed, 22 Jun 2022
-
3692 - "ስዉእ ዶ/ር ኣረጋይ ሃብተ ኣብቲ'ቶም ዝተቐሉ ወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ዝተቐብርሉ'ዩ ተቐቢሩ።" ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ተጋ/መስፍን መንግስቱ Tue, 21 Jun 2022
-
3691 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (20 ሰነ 2022) Mon, 20 Jun 2022
-
3690 - ኣብ ኤርትራ ንሰማእታት ጸሎተ ፍትሓትን ደርስን ዱዓን ከም ዝተኻደሎም ተገሊጹ። Mon, 20 Jun 2022
-
3689 - ኪልያን ምባፐ ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፎ ነቐፌታታትን ዘለፋታትን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክሰናበት ሓሲቡ፣ ሙሉ ክንፈ ዓወት ኣመዝጊቡ Mon, 20 Jun 2022
-
3688 - ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ሕማም ኮቪድ ኣብ ኣእምሮ ይኽሰት ኣሎ። Sun, 19 Jun 2022
-
3687 - “ኣብ ሰናዱቕ ናይ ጥይት ኣእቲና ንቐብሮ ዝነበርና ገሊኡ ሰነዳት ስውኣት ፍልሖ በሊዕዎ ጠፊኡ እዩ።” መስፍን መንግስቱ Sun, 19 Jun 2022
-
3686 - "ኤሪሳት ንዝኾነ ይኹን ሓሳብ እተተኣናግድ ሚድያ ክትከውን ክንገብራ ኢና።" ዝርርብ ምስ ኣደ መንበርን ኣባልን ቦርድ ኤሪሳት Sat, 18 Jun 2022
-
3685 - "ኣብቲ ንነብሮ ስደት ከም ዓዲና ቆጺርና ክነብር እንተጀሚርና ዓቢ ስራሕ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና።" ኬነዲ ወልደማሪያም Fri, 17 Jun 2022
-
3684 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (16 ሰነ 2022) Thu, 16 Jun 2022
-
3683 - “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘይወጽእ እንተኾይኑ ኲናት ክቕጽል እዩ።” ፕረሲደንት ክ/ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን፣ Thu, 16 Jun 2022
-
3682 - ብዝሒ ካብ ዓዶም ተመዛቢሎም ብግዲ ዝስደዱ ህዝቢ ዓለም ብዕጽፊ ምውሳኹ ኣሻቓሊ ምዃኑ ተገሊጹ። Thu, 16 Jun 2022
-
3681 - ኣብ ስደት፡ ካብ ስራሕ ምእራይ ፍረን እንዳ ሕጽቦን ናብ ወናኒ ኣማኢት ሰርሕተኛታት ዘዋፍር ትካላት ንግዲ- Wed, 15 Jun 2022
-
3680 - ቅነ ስደተኛታት፡ ተሞክሮን ብዙሕነትን ማሕበረሰብ ስደተኛታት ንምጽምባል ዕድል ዝፈጥር ቅነ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) Wed, 15 Jun 2022
-
3679 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (13 ሰነ 2022) Mon, 13 Jun 2022
-
3678 - መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን በብወገኖም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝምልከት ከም ዘይዋገዩ ይገልጹ ኣለዉ። (ጸብጻብ) Mon, 13 Jun 2022
-
3677 - ብምኽንያት ልደት ንግስቲ፡ ክብሪ ዝረኸቡ ኣውስትራሊያዊያን። Mon, 13 Jun 2022
-
3676 - ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣመዝጊባ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንጉስ ዓቐብ ኮይኑ Mon, 13 Jun 2022
-
3675 - "ጥርዚ ናይ ሕሉፍ ሃገራውነት ፋሺስትነት’ዩ።" ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ኣማኒኤል ኤልያስ Sun, 12 Jun 2022
-
3674 - ካብ ዝመጽእ ሰሙን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ክጥረዙ ቤት ፍርዲ ወሲኑ። Sun, 12 Jun 2022
-
3673 - Interview with Prof Dan connell - ቃለ መሕትት ምስ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል (ምሉእ ትሕዝቶ) Wed, 22 Jul 2015
-
3672 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (09 ሰነ 2022) Thu, 09 Jun 2022
-
3671 - መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ በጀት ሰሊዑ። ኣሜሪካ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ክቀላጠፍ ንዝጸዓሩ ሞጒሳ። (ጸብጻብ) Thu, 09 Jun 2022
-
3670 - ሓይልታት ሩስያ ንመብዛሕትኡ እታ ናይ ሞትን ሕየትን ክካየደላ ዝቐነየት ከተማ ስቨሮዶነትስክ ከምዝተቈጻጸርዎ ተገሊጹ። (ዉዕሎ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን) Thu, 09 Jun 2022
-
3669 - ክብሪ ዋጋ መነባብሮን ወጻኢ ንምጉዳል ክውሰዱ ዝግባእ ስጉምቲታትን። Wed, 08 Jun 2022
-
3668 - “ሕሉፍ ሃገራዊነት፡ ንሕብረተሰብ ዘይጠቅምን መጋበሪያ ጨቆንቲ ስርዓታትን እዩ።” ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ Wed, 08 Jun 2022
-
3667 - ኣድላይነት ቅድሚ ሞት ለበዋ ምግዳፍ ወይ ምንዛዝ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) Wed, 08 Jun 2022
-
3666 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (06 ሰነ 2022) Mon, 06 Jun 2022
-
3665 - መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ከይዕረቕ 'መንግስቲ ኤርትራ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ኣሎ።' ከምዝበለ ተሰሚዑ። Mon, 06 Jun 2022
-
3664 - ኲናት ዩክሬን ቀጺሉ፡ ድሕሪ ብዙሕ ሳምንታት ኬቭ ንፈለማ ግዜ ተጠቒዓ Mon, 06 Jun 2022
-
3663 - ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ኢትዮጵያ ብማላዊ ብጸቢብ ድሕሪ ምስዓራ ወሳኒ ግጥም ኣንጻር ግብጺ ይጽበያ Mon, 06 Jun 2022
-
3662 - ኲናት ሩስያን ዩክሬንን፡ 100 መዓልታት ሞትን ዕንወትን ዓለማዊ ቅልውላው ቁጠባን Sun, 05 Jun 2022
-
3661 - ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጸሙ ገበናት ንምክልኻል ብዕቱብ ከም ትሰርሕ ገሊጻ። (ጸብጻብ) Fri, 03 Jun 2022
-
3660 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (02 ሰነ 2022) Thu, 02 Jun 2022
-
3659 - ዶ/ር ትምኒት ገብሩ ኣብ ትግራይ ምጥፋእ ዓሌት ይፍጸሞ ኣሎ ብምባላ ምፍርራሓት ከም ዝሰዓባ ተዛሪባ። Thu, 02 Jun 2022
-
3658 - ኣመሪካ ንዩክሬን ምዕቡል ተወንጫፊ ሮኬት ትልእከላ፡ ራሻ፡ እዚ ቅሉዕ ምትእትታው ሳልሳይ ሃገር ኣብቲ ኲናት’ዩ ትብል Thu, 02 Jun 2022
-
3657 - “ሰብ በብገዝኡ እናሓብኦ’ምበር፡ እዚ ናይ ሓሽሽ/ድራግ ጸገም ኣዚዩ ኣስፋሕፊሑ’ዩ ዘሎ።” ኣቶ ልኡል ፍስሃ Wed, 01 Jun 2022
-
3656 - ኣብ ምንባይ ቆልዑ ምስራሕ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) Wed, 01 Jun 2022
-
3655 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (30 ግንቦት 2022) Mon, 30 May 2022
-
3654 - "ኣብ ኣስመራ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ተኸሲቱ ኣሎ።" ዘ ኢኮኖሚስት Mon, 30 May 2022
-
3653 - ማድሪድ ቻምፒዮንስ ሊግ ትዕወት፥ ወቕቲ ሊቨርፑል ዕዉት ዶ ኔሩ ኣይነበረን፧ መርሃዊ ኣብ ጂሮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ኦክፐክፐን Mon, 30 May 2022
-
3652 - ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንሓላፊ ጸጥታ ካርኪቭ ኣባርኢሩ፡ ሰርብያ ምስ ሩሲያ ናይ ነዳዲን ጋዝን ስምምዕ ፈሪማ። Mon, 30 May 2022
-
3651 - ኣብ ጎድኒ ሰባት ኮይኖም ዝሰርሑ ሮቦታት ን ኢንዳስትሪታት መግቢን ሕርሻን እናዓብለሉ ይኸዱ። Sun, 29 May 2022
-
3650 - "ሎሚ ሰብ ምስ ነፍሱ ክዛረብ ግዜ የብሉን።" ዕላል ምስ ፋርማሲስትን ጸሓፊን ተስፋይ መንግስ Fri, 27 May 2022
-
3649 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (26 ግንቦት 2022 Thu, 26 May 2022
-
3648 - "ብወገን ትግራይ ጸረ ናጽነት ኤርትራ ዝግበር ወፍሪ የለን።" ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል Thu, 26 May 2022
-
3647 - ናይ ደቀባት ፕሮቶኮል ንምንታይ እዩ ንኹሉ ዘድሊ፡ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ Wed, 25 May 2022